ስጳኛ፣ ኤርትራውያን ኣትለታት ህጡር ዓወታት ኣመዝጊቦም

Radio Erena: 26 October 2021

ኣብ ስጵኛ፣ ኣሞረቤታ ኣብ ዝተኻየደ መበል 67 ውድድር ጉያ ሞረር ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኣትለታት ኣንጸባራቑ ዓወታት ተጎናጺፎም።

ብሰንበት 24 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዝተኻየደ፣ ወርቃዊ መዐየሪ ደረጃ ዘለዎ ናይ 8.7 ኪሎሜተር ርሕቐት ዝሸፈነ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ቅድድም ጉያ ሞረር፣ ኤርትራዊ ዓወት ሃብተ፣ ንመወዳድርቱ ብዘተኣማምንር ርሕቀት ፈልዩ፣ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ወዲ 24 ዓመት ኣትለት ዓወት፣ ንቅድድሙ ብ25 ደቓይቕን 54 ካልኢታትን’ዩ ፈጺምዎ።

ኣብቲ ናይ ስጳኛ ቅድድም ዝተሳተፈ፣ ካልእ ኦሎምፒካዊ ኣትለት፣ የማነ ሃይለስላሴ ብወገኑ፣ ካብ ዓወት 14 ካልኢታት ተፈንቲቱ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

ንውድድር ጉያ ሞረር ኣሞረቤታ ስጳኛ ዝዓብለለ ኣትለት ዓወት፣ ቅድሚ ሓደ ሰሙን፣ ብሰንበት 17 ጥቅምቲ፣ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሊዝበን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ ፖድየም ሓዅሩ’ዩ።

6.7 ኪሎሜተር ርሕቐት ኣብ ዝሸፈነ ናይ ደቂንስትዮ ቅድድም ጉያ ሞረር ድማ ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ዶልሺ ተስፋይ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጎናጸፈቶ ናይ ፍርቂ ማራቶን ዓወት ደሪዓቶ።

ኣትለት ዶልሺ ተስፋይ’ውን ከም ናይ ኣትለት ዓወት፣ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተኣንገደ ውድድር ፍርቒ ማራቶን ሊዝበን፡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ዓወት ተጓናጺፋ’ያ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0