ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሶማል፣ ኣብ ምሻም መተካእታ ናይቲ ምስ ጉዳይ ኤርትራ ብዝተሓሓዝ ካብ ስልጣኑ ዝተሰጎገ ሓድሽ ሓላፊ ስለያ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 26 October 2021

ብጉዳይ ምርጫን ናብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ብዝተተሓሓዘ ምስጓግ ሓላፊ ስለያን ክሰሓሓቡ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮበለን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ንኣፈኛ መንግስቲ ብምጥቃስ ሮይተርስ ካብ ሞቓዱሹ ሓቢሩ።

ስልጣኑ ኣብዚ ወርሒ ከረክብ ዝነበሮ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣብ ውሽጢ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዝተፈጥረ ሓድሽ ብድሆታት ምርጫ ክካየድ ብዘይምኽኣሉ’ዩ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል ዘሎ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ በጺሕዎ ብዘሎ ስምምዕ መሰረት፣ ምርጫ ኣባላት ፓርላማን ፕረዚደንትን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክካየድ’ዩ።

ዝካየደሉ ዕለት ግና ኣይተነጸረን።

ነዞም ክልተ ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዘሰሓሓበ ነጥቢ ድማ ምስ ቅትለት ናይታ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ክዙን ሓበሬታ ኔሩዋ ዝተባህለት ኣባል ስለያ ብዝተሓሓዝ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ፣ ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ካብ ስልጣኑ ምስ ሰጎጎ’ዩ።

ንምስጓግ እቲ ሓላፊ ስለያ ዝተቓወመ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ምስ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎን በዓልቲ ቤቱን ድማ ኤርትራዊት ዝኾነተን ሓድሽ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እኳ እንተመዘዘ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ብወገኑ ተቓውምኡ ኣስሚዑ።

ብመሰረት እዚ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉ ስምምዕ ግን፣ ብፕረዚደንት ዝርቛሕ ሓላፊ ስለያ ክኸውን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ንሚኒስተር ዴ ‘ታ ክምዝዝ’ዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብዛዕባቶም ናብ ኤርትራ ተላኢኾምን ኣብ ኵናት ትግራይ ድማ ተሳቲፎምን ዝብሃሉ ወትሃደራት ሶማል ብዝምልከት መብርሂ ክህብ፣ ብህዝብን ኣባላት ባይቶን ጸቕጢ ይግበረሉ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ብወገኑ፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያን ዝርከቡዋ ኮሚተ፣ ነቲ ጉዳይ ከተጻሪ ሓላፍነት እኳ እንተሃባ፣ ዛጊት ናይ ዘካየደቶ መርመራ ውጽኢት ናብ ህዝቢ ኣየቕረበትን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0