ስጳኛዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ካርቱም ተቐቲሉ

ስጳኛዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ካርቱም ተቐቲሉ

Radio Erena: 30 September, 2014

Spanish in Sudan

እቲ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብኻራ ተቐቲሉ ዝተረኽበ 61 ዓመት ዝዕድሚኡ ስጳኛዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ሓላፊ ክፍሊ ቪዛ ኣብ ኤምባሲ ስጳኛ ኣብ ሱዳን ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

ፖሊስ ሱዳን ንቕትለት እቲ ስጳኛዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝነብርሉ፣ ንሰማያዊን ጻዕዳን ናይል ኣብ ዘራኽብ ጋርደን ሲቲ ዝተባህለ ከባቢ ካርቱም፣ ካብ ገበን ናጻ’ዩ እናተባህለ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ቅትለት እዚ ስጳኛዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

 

እቲ ቕትለት ምስ ሽበራ ምትሕሓዝ የብሉን ዝብል ግምታት እኳ እንተሎ፣ ሰበ ስልጣን ም,አንግስቲ ሱዳን ብዝልዓለ ደረጃ ነቲ ቕትለት ኣብ ምጽራይ ከምዝርከቡ ኤምባሲ ስጳኛ ኣብ ሱዳን ገሊጹ።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0