ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሞርታር ተደብዲቡ

ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሞርታር ተደብዲቡ

Radio Erena: 30 September, 2014

US embassy in Yemen

ኣብ የመን ከተማ ሰንዓ፣ ጸጥታዊ ሃጓፍ ኣጋጢምሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ናይ ሞርታር ደብዳብ ተኻይድዎ።

ዝበዝሐ ክፋል ከተማ ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ተቓወምቲ ሺዓ ድሕሪ ምውዳቑ፣ ኣመሪካ ንሓያሎ ኣባላት እቲ ኤምባሲ ብህጽጽ ከምዘውጽአት እኳ እንተገለጸት፣ ኣብታ ከተማ ዝተረፉ ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ምህላዎም’ዩ ዝንገር።

 

በቲ ደብዳብ ዝወረደ ጉድኣት ኣይተፈልጠን።

ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ኣንሳር ኣል ሸሪዓ ናይቲ ደብዳብ ሓላፍነት ብወግዒ ወሲዱ ኣሎ።

ዝበዝሐ ክፋል ከተማ ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ሺዓ ወዲቃ እኳ እንተላ፣ ንጸጥታ እታ ከተማ ክቆጻጸርዎ ከምዘይክኣሉ ‘ዩ ዝግለጽ።

እቶም ዕጡቓት ምስ መንግስቲ የመን ሓድሽ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ውዕል እኳ እንተኸተሙ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ግጭት ምክያድ ግና ይቕጽል ምህላዉ ናይ ዓይኑ መሰኻክር ካብታ ከተማ ይሕብሩ።

ኣብ የመን ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት፣ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክምዝዝ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ የመን ከጋጥም ዝኽእል ጸጥታዊ ሃጓፍ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት ብኣሉታ ከምዝጸሉ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።
==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0