ስድራቤት ስዉእ ስርሒት ፎርቶ ኮለነል ወዲ ዓሊ ናብ ኖርወይ ተጣይሰን

ስድራቤት ስዉእ ስርሒት ፎርቶ ኮለነል ወዲ ዓሊ ናብ ኖርወይ ተጣይሰን

Radio Erena: March 20, 2014

wedi Ali

ስድራ ቤት ናይቲ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ 2013 ዝተሰውአ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ብሓገዝ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ኖርወይ ከምዝተጣየሱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ነቲ ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተሰውአ ወዲ ዓሊ፣ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሐን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሪኡ ኤርትራውያንን ካልኦት ጉዱሳትን ሞራላውን ገንዘባውን ሓገዝ ክገብሩለን ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

 ኮለነል ሳልሕ ዑስማንን ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይን ዝመርሕዎ ታንክታትን ረሻሻትን ዝዓጠቐ ኣሃዱ ሰራዊት፣ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ንፎርቶ ብምኽባብ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ድማ ክትግበርን ከምዝጸውዑ ኣይርሳዕን።

እቲ ምሉእ መዓልቲ ዝወሰደ ስርሒት፣ ኣብ መወዳእታ ኮለነል ሳልሕ ዑስማን ዝርከቦም ኣባላት እቲ ስርሒት ኢዶም ክህቡ እንከለዉ፣ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ግና ርእሰ ቅትለት ብምፍጻም ከምዝተሰውአ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማዕከን ዜና ቀሪቡ ዝመስከረሉ ጅግና’ዩ ክብሉ ሓያሎ ኤርትራውያን ይገልጽዎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ ናይ ፎርቶ ስርሒት ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ነበረ ዓብደላ ጃብር ዝመራሒኦም ብገዳይም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝተሃንደሰ እስላማዊ ምንቕስቓስ’ዩ ዝብሎ።

ድሕሪ መስዋእቲ ወዲ ዓሊ፣ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ኣብ ስኽፍታን ሻቕሎትን ከምዝጸንሓ ብምጥቃስ፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ግዜ ድማ ብመንገዲ ሱዳን ዶብ ሰጊረ ናብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተታ ይዝከር።

ብሓገዝ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ሓያሎ ግዱሳትን ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ኖርወይ ናይ ምጥያስ ዕድል ክረኽባ ክኢለን።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0