ሜ.ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሓ.ም. ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፣ ማእከሎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ድማ የዕዘምዝሙ

ሜ.ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሓ.ም. ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፣ ማእከሎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ድማ የዕዘምዝሙ

Radio Erena: March 20, 2014

M.General Philipos

ድሕሪ ሞት ሜጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም ውጩ፣ ሜጄር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ምምዛዙ፣ ሓያሎ ማእከሎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምዕዝምዛማት የስምዑ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሜጄር ጀነራል ውጩ፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ዝነበረሉ፣ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ምምዛዙ፣ እቲ ወትሃደራዊ ጽፍሒ ብዙሕ ኣገዳስነት ከምዘይጸንሖ ዘነጽር’ዩ ዝበሉ ነቲ ኩነታት ዝተንተንቱ ሓያሎ ኤርትራውያን ድማ፣ ቅድሚ ውጩ’ውን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ነበረ ሜጀር ጀነራል ጠዊል ኣብ እዋን ሕማሙ ኣብቲ ጽፍሒ ተመዲቡ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።

 

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ድሕሪ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያ ናይ ማዕረግ ወሰኽ ከይተግብረሎም በቲ ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመታት ዝተዋህቦም ማዕረግ ጥራይ ክኸዱ ምጽንሖም ብምረት ክገልጽዎ ዝጸንሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፣ እቲ ብማእከሎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዙሕ ተቓበልነት ከምዘይብሉ ዝንገረሉ ሜጄር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ሓለቓ ስታፍ ኮይኑ ምምዛዙ፣ ድሮ ብትሒም ትሒም ምዕዝምዛማት ከስምዑ ጀሚሮም ምህላዎም’ዩ ዝጠቕስ እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ።

ካብቶም ናይ ሜጀር ጀነራል ማዕረግ ዘለዎም ትሽዓተ ገዳይም ተጋደልቲ ብዘይካ ሰለስተ ማለት ሜጀረ ጀነራል ፊልጶስ ወልደዮሃንስ፣ ሜጄር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል- ቺናን ሜጄር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴን እቶም ካልኦት ዳርጋ ስማዊን ብዙሕ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ስራሕን ጥራይ ተዋፊሮም ከምዘለዉ’ዩ ዝገልጽ።

ሜጄር ጀነራል ኣስመሮም ገረዝግሄር ኣዛዚ ሎጅስቲክስን፣ ሜጄር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ድማ እዛዚ ሓይሊ ባሕሪን እኳ እንተኾኑ፣ ነቲ ወትሃደራዊ ጽፍሒ ዘመሓድሩ ግና ካልኦት ምዃኖም’ዩ ዝንገረሉ።

ኣዛዚ ከቢድ ብረት ነበረ ሜጀር ጀነራል ዑስማን ሮማዳን ኣውልያይ ኮሚሽነር ስፖርት ክኸውን እንከሎ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ነበረ ሜጄር ጀነራል ጠዊልን ሜጄር ጀነራል ኣሕመድ ካካይን ግን ካብ ንጡፍ ሰራዊት ከምዝተኣልዩ’ዩ ዝዝረብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሰራዊት ናይ ማዕረግ ምድልዳል ክገብር ዝግብኦ እኳ እንተነበረ 12 ዓመታት ብኸምኡ ምቕጻሉ፣ ኣብ ሞራል ሰራዊት ከቢድ ሃስያ ኣስዒቡ ከምዘሎ’ውን ብተደጋጋሚ እዋን ዝጥቐስ’ዩ።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0