ስዑዲ ዓረብ ንጅቡቲ ኣብ ጽላት ጸዓት ክትሕግዛ’ያ

ስዑዲ ዓረብ ንጅቡቲ ኣብ ጽላት ጸዓት ክትሕግዛ’ያ

Radio Erena: 12 January 2016

Dj and Sau

ስዑዲ ዓረብ ንጅቡቲ ኣብ ጽላት ጸዓት ክትሕግዛ ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ ብሚኒስተር ጸዓት ጅቡቲ ዓሊ ያቆብ ማሕሙድ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ጅቡቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ርሪድ ዑደት ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ።

ጅቡቲ ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲ ዓረብ ዘርኣየቶ ደገፍ፣ ኣብ ጸዓትን መጓዓዝያን ሓገዝ ክግበረላ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

እታ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታታት ካብ ኣገልግሎት ወደብ ጥራይ እትረክብ ጅቡቲ፣ እኹል ጸዓት ክህልዋ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪሲቲን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ብዙሕ ክትስጉም ከምዘይክኣለት ይፍለጥ።

ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምውጋን ኣባል እስላማዊ ኪዳን ድሕሪ ምዃና፣ ኣሰር ስዑዲ ዓረብ ብምስዓብ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ከምዝበተኸት ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብ ንኩለን’ተን ኣብ ጎና ተሰሊፈን ዘለዋ ቀይሕ ባሕሪ ዘዳውበን ሃገራት ፊናንምስያውን ልምዓታውን ሓገዝ ክትገብረለን ምዃና ዝተፈላለዩ ምንጭታት የመልክቱ።

ኣብ ጎኒ ሰራዊት ስዲ ዓረብ ዝስለፍ ኣስታት ሓደ ስሕ ሰራዊት ወትሃደራት ልኢኻ ንዘላ ሱዳን፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሃገራዊ ባንካ ዘቐመጠትላ ኣስታት ሓድ ቢልዮን ዶላር፣ ተወሳኺ ናይ ሓ ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ’ውን ተበርክተላ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ኤርትራ’ውን ካብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ፊናንስያውን ኣብ ጸዓትን ዘተኮረ ልምዓታዊን ሓገዛት ክብርከተላ ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣባላት እስላማዊ ኪዳን ምስ ዝኾና ወትሃደራዊ ሓይሊ ዝውንና ሃገራት እትግበሮ ዘላ ርክባት ብዝሓየለ መልክዑ ብምቕጻል፣ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፣ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ እ ሃገር ኣብ ፓኪስታን ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ናይ ሳልስቲ ዑደት፣ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ኣብ መንጉአን ዝህሉ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ምስ ኢራን ዘሎ ኩነታት ኢራንን ዘትየን።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0