ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብውሕዱ ኣርባዕት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብውሕዱ ኣርባዕት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 12 January 2016

Darfur

ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ንዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ጎነጽ ከምዝተጠቕሙ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ብሰንበት 10 ጥሪ ኣብ ገነይና ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቃውሞ፣ ብመንግስቲ ዝድገፉ ሚሊሻ እቲ ዞባ ፣ ንክልተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ሓያሎ ኣባይቲ ድሕሪ ምጽቃሎም ከምዝተወልዐ’ዩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ይጠቕሱ።

ህዝቢ ከባቢ እቲ ዞባ ድመ ነቲ ሙሊ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንምቕዋም ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈትን ትካላት መንግስትን ድሕሪ ምትእኽኻቡ’ዩ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተጋጭዩ።

 

ተቓወምቲ ወገናት ዳርፉር፣ እብቲ ናዕቢ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብውህዹ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተሉ ክገልጹ እንከለዉ መንግስቲ ግና ነዚ ነጺግዎ ኣሎ።

ኣብ ዳርፉር ኣብ 2003 ድሕሪ ዝተወልዐ ተቓውሞ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እስታት 300 ሽሕ ሰባት ከምዝተቀትሉን ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ካብ መነባብርኡ ከምዝተመዛበለን’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ከኣ ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ ይርከብ።

ናይ ዓረብ መበቆል ዘለዎም ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ሚሊሻ እቲ ከባቢ ብሰራዊት መንግስቲ ሱዳን እናተደገፉ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቀባት ዳርፉር ናይ ዓሌት ምጽናት ገበናት ከምዝፈጸሙ’ውን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0