ኩዌት፣ ንኢራን ክስልዩ ጸኒሖም ዝበለቶም ክልተ ሰባት ንሞት ፈሪዳ

ኩዌት፣ ንኢራን ክስልዩ ጸኒሖም ዝበለቶም ክልተ ሰባት ንሞት ፈሪዳ

Radio Erena: 13 January 2016

Ku

ኩዌት ንኢራን ክስልዩ ጸኒሖም ዝበለቶም ክልተ ሰባት ንሞት ፈሪዳ።

እታ ሃገር ንሞት ፈሪዳቶም ዘላ ሓደ ዜጋኣን ሓደ ኢራናውን፣ ብዘይካ ብስለያ ኣጽዋር ብምውናን’ውን ተኸሲሶም ዝጸንሑ’ዮም።

እቲ ኢራናዊ ኣብ ብኣካል ኣብ ዘይተረኽበሉ’ዩ ንሞት ተፈሪዱ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እት ሃገር ን20 ዜጋታታ ብተመሳሳሊ ገበን ድሕሪ ምኽሳሳ ነፍሲ ወከፎም ክሳብ 25 ዓመት ክእሰሩ ፈሪዳቶም ኣላ።

 

ኩዌት ኣባል እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ’ያ።

ድሕሪ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ዝርከቦም 47 ሰባት ብሞት ምቕጽዓ፣ ኣብ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዝሰዓበ መጥቃዕቲም ከኣ ኩዌት ንስዑዲ ብምድጋፍ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና በቲኻ ትርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢራን ምስቲ ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ እታ ሃገር ካብ ስልጣን ሰጕጉ።

እቲ ተሰጕጉ ዘሎ ሓላፊ ጸጥታ ኢራን፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክከላኸል ብዘይምኽእሉ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኢራናውያን፣ ኣብ ከተማ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ እታ ሃገራ ምስ ሓያሎ ብእምነት ሺዓ ዝምርሓ ሃገራት ዓረብን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራትን ንሓያሎ ዓመታት ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ዲፕሎማሲ ኣውዲቕዎ ይርከብ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0