ስዑዲ ዓረብ ምስ ግብጺ ሻሕኪሩ ዘሎ ዝምድንኣ ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ክሰጎ ከምዝሓተተት ተሓቢሩ

Radio Erena: 02 November 2016

Egy Sau

ስዑዲ ዓረብ ምስ ግብጺ ሻሕኪሩ ዘሎ ዝምድንኣ ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ሳምሕ ሹክሪ ካብ መዝነቱ ክሰጎ ከምዝሓተተት ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ብጉዳይ ሶርያ ብዝምልከት፣ ብኢራን ኣብ ዝተወደበ ርክባት ግብጺ ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪ ድሕሪ ምስታፋ፣ እቲ ግብጻዊ በዓል ስልጣን ምስ ኢራናዊ መዘንኡ መሓመድ ጃቪድ ዛሪፍ፣ ብምስምማዕ፣ ጸግዒ ሩስያ ከምዝሓዙ’ያ ስዑዲ ዓረብ ትወቅስ።

ድሕሪ’ዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ግብጽን ኢራንን፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፣ ነቲ ብሩስያ ዝሕገዝ ዘሎ መንግስቲ ባሻር ኣልኣሳድ ከምዝድግፍ ብወግዒ’ዩ ገሊጹ።

እዚ ናይ ግብጺ ውሳኔ’ዚ ብኢራን ዝተደፋፍአ’ዩ ዝብል እምነት ዘሕደረት ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ እትልእኮ ዝነበረት 23 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ነዳዲን ካልእ ሓገዛትን ደው ኣቢላቶ።

ስዑዲ፣ እቲ ምስ ግብጺ ዝነበረ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ክቕጽል እንተኾይኑ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ካብ መዝነቱ ክኣልን፣ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ዘለዋ መርገጺ ከኣ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ትጠልብ ምህላዋ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

እንተኾነ መንግስቲ ግብጺ ምስ ስዑዲ ዝነበሮ ዝምድና ናብ ንቡር ክመልስ፣ ነቲ ብስዑዲ ቀሪብሉ ዘሎ ጠለብ ከማልእ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣየፍለጠን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0