ኤርትራን ጅቡቲን ንኢራን ይወቕሳ

Radio Erena: 01 December 2016

Iran

ኢራን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ጣልቃ ትኣቱ ኣላ ክትብል ጅቡቲ ንዝሃበቶ መግለጺ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ነጺግዎ።

ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ባሕራም ቓሰሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ብዛዕባ ኢራን ሓቅነት ዘይብሉ መግለጺታት ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ተማሕጺኑ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዝሃብዎ መግለጺ ካብ ምድጋም ተቖጢቡ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽናዕቲ ከካይድ’ውን ተላብዩ።

ስዑዲ ዝመራሒተን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኢራን ኣብ የመን ባሕሬንን ካልኦት ሃገራትን ምትእትታው ትፍጽም ምህላዋ’የን ዝኸሳ።

ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ወጊነን ዘለዋ ኤርትራን ጅቡቲን ንኢራን ክኹንና ብተደጋጋሚ ይርኣያ ኣለዋ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ካብ 21 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ማላቦ ኣብ ዝተኻየደ መበል ራብዓይ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ኣብ ዝተሳተፈሉ እዋን፣ ምስ ጋዜጣ ሻርቕ ኣል ኣውሳጥ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተመሳሳሊ ክሲ ምቕራቡ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ’ውን ብጉዳይ እቲ ኣብ ከተማ ቴህራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ፣ ንመንግስቲ ኢራን ከምዝኾነነት ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0