ስዑዲ ዓረብ ሓይልታት ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ልኢኻ

ስዑዲ ዓረብ ሓይልታት ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ልኢኻ

Radio Erena: 20 August 2017

almaklafiስዑዲ ዓረብ ሓይልታት ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ልኢኻ።
እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 18 ነሓሰ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝኣተወ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ምስቲ ኣብታ ሃገር ኣቐዲሙ ኣትዩ ዝጸንሐ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፍሕፋሐ ከይፈጥር ስግኣት ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ሰበስልጣን ጸጥታ የመን ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ኣጋር ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ግዚያዊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ከተማ ሰንዓ መስሪቱ ዘሎ መንግስቲ የመን፣ ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ኣብ ምሕላው ክዋፈር ምዃኑ ገሊጾም።

ፕረዚደንት የመን ዓብዱ ራቦ መንሱር ሓዲ፣ ብዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ካብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ተጸሪጉ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቚቡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ኣብ ከተማ ዓደን ግዚያዊ ቤት ጽሕፈት ዝኸፍት ዘሎ።

ብኻልእ ወገን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ዓብዱልማሊክ ኣል መኽላፊ መንግስቱ ምእንቲ ሰላም ክብል ምስ ኩሎም ወገናት ዘተ ከካይድ ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክቆጻጸሮ ዝኽእል እንተኾይኑ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ሰንዓ ስርሑ ንኽጅምር’ውን ድሌት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣብ ከተማ ጣይዝ ዝተፈጸመ ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈን ከባቢ 8 ሽሕ ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ሰባት ዘቑሰለን ኲናት፣ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣቓልቦ ከይተዋህቦ ምሕላፉ ኣዝዩ ከምዘጉሃዮ ገሊጹ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0