ኢትዮጵያ፣ ንወደባት ሱዳን ክትጥቀመሎም ከም እትደሊ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ንወደባት ሱዳን ክትጥቀመሎም ከም እትደሊ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 August 2017

hmariam_bashirኢትዮጵያ፣ ንወደባት ሱዳን ክትጥቀመሎም ከም እትደሊ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ሱዳን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ልዑል ጠለብ ካብ ወጻኢ ናይ ተእትዎ ኣቑሑ ጸገም፣ ንወደባት ሱዳን ብምጥቃም ክትፈትሖ ከምእትደሊ ምግላጹ፣ ኣገልግሎት ዜና ክወይት ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ንምንጭታቱ ካብ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምቁራጹ ኢትዮጵያ ትጥቀመሉ ዘላ ወደብ ጂቡቲ፣ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑን ንጠለባት ኢትዮጵያ ከማልእ ከምዘይከኣለን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምግላጹ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነዚ ዝገለጸ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዝገበረሉ ዕድመ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ድሕሪ ምፍጻሙ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን’ዩ።

ብሰሉስ 15 ነሓሰ ናብ ካርቱም ዘምረሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጸጥታ ዶባት፣ ዶባዊ ጉዳይ ዞባ ገዳርፍ፣ ኣል ፋሽጋ፣ ዞባ ናይል፣ ህሉው ዝምድና ግብጽን ሱዳንን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራት ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋታትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን እታ ሃገር ድሕሪ ምምይያጥ ብዓርቢ 18 ነሓሰ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0