ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ሱዳን ዝሸመተተን 58 ሽሕ ኣባጊዕ ነጺጋ

Radio Erena: 14 August 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ሱዳን ዝሸመተተን 58 ሽሕ ኣባጊዕ ናብ መሬታ ከይኣትዋ ድሕሪ ምኽልካላ፣ ናብ ሱዳን ክምለሳ ተገዲደን።

እተን ኣባጊዕ፣ ብመርከብ ተጻዒነን ናብ ስዑዲ ተበጊሰን ከብቅዓ፣ ንግስነት ስዑዲ ጥዕንአን ኣጠራጣሪ፣ዩ ብዝብል ክምለሳ ብምውሳኑ ኣስታት 3 ሽሕ ካብኣተን ብጽምእን ጥሜትን ከምዝሞታ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ ነተን ኣባጊዕ ክትመልሰን ዝተገደደትሉ ምኽንያት፣ ኩነታት ጥዕንአን ንምርግጋጽ ክግበረለን ዝግብኦ ናይ ውሸባ መስርሕ ኣጠራጣሪ’ዩ ብዝብል’ዩ።

ናብ ሰደድ ዝዓለመ ከብትን ጤለ በጊዐን ዝፈርየሉ፣ ዞባ ምብራቅ ሱዳን፣ ብፍላይ ከባቢታት ከሰላን ገዳርፍን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ውሸባን ጥዕና እንስሳ ናይ ምርግጋጽን ስሩዕ መስርሕ ይካየደሉ ከምዘየለ’ዩ ዝግለጽ።

ሱዳን፣ ሓደ ካብቲ ዝበዝሐ ንሰድድ እትልእኮ ነገራት ከብቲ፣ ኣግማልን ጤሌበጊዕን ኮይኑ ኣብ 2018 ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበትሉ ይጥቀስ።

ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ናይ መግቢ እንስሳታት እትሽመት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2003’ውን ካብ ኣውስትራልያ ዘምጽኣተን 52 ሽሕ ኣባጊዕ፣ ጥዕናዊ ጸገም ኣለወን ብምባል ነጺጋ’ያ።

እተን ኣባጊዕ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንኣስታት 3 ኣዋርሕ ኣብ ሰንፈላል ድሕሪ ምጽንሐን፣ መንግስቲ ኤርትራ ብናጻ ክቕበለን ከምዝተሰማምዐ ይዝከር።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0