ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጅቡቲ ፕሮጀክት ምዝርጋሕ ዝስተ ማይ ክትምውል’ያ

Radio Erena: 05 December 2019

 

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጅቡቲ ንዝካየድ ምዝርጋሕ መስመራት ማይ ክትምውል ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ነዚ ልዕሊ 9 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ፕሮጀክት ክትምው ስምምዕ ከምዝተኸተመ ማዕከናት ዜና ጅቡቲ ገሊጸን።

ነቲ ስምምዕ ዝኸተመ፣ ብወገን ስዑዲ ዓረብ፣ ኣካያዲ ስራሕ ምወላ ስዑዲ ንልምዓት ካልድ ቢን ሳልማን ክኸውን እንከሎ ብወገን ጅቡቲ ድማ ሚኒስተር ፋይናንስን ቁጠባን ኤልያስ ሙሳ ዱዋላ’ዩ።

ብካልድ ቢን ሳልማን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ምትሕግጋዝ ስዑዲ ዓረብ፣ ብ1 ታሕሳስ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምእታው ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደልቃድር ካሚል መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ መንግስትን ተዘራሪቡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንጅቡቲ ኣብ ልምዓት ዘተኮረ ሓገዝ ተበርክት ዘላ፣ ኣምሳያ ናይቲ ፕረዚደንት ገለ ምስ ቀጠር ዝነበሮ ዝምድና ብምብታኽ ጸግዒ ስዑዲ ምሓዙ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0