ሙጋበ፣ ኣብ ናይ ውልቂ ሕሳቡ ዝጸንሐ 10 ሚልዮን ዶላርን ሚልዮናት ዝግመት ንብረትን ከምዝጸንሖ ተቓሊዑ

Radio Erena: 06 December 2019

ንዚምባብዌ ን37 ዓመታት ዝመርሐ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ባንክ እታ ሃገር ዝጸንሖ ናይ ውልቁ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዶላር ንምውራስ፣ ስድራቤቱ ኣብ ምስሕሓብ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ብዘይካ’ዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ቪላታት፣ 10 መካይን፣ 11 ሄክታር ዝግመት ናይ ሕርሻ መሬትን ካልእ ሚልዮናት ዝግመት ንብረትን’ውን ብውልቁ ጸኒሕዎ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ በትረ ስልጣን ዝጨበጡ መራሕቲ ሓደ ዝኾነ ሙጋበ፣ ዝውንኖ ውልቃዊ ሃብቲ ንመን ከውርሶ ከምዝደሊ ዝኾነ ለበዋ ኣይሓደገን።

መንግስቲ ዚምባብዌ’ውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ናይ ውልቂ ሕሳብ ሙጋበ ዝጸንሐ ሃብቲ ብዝምልከት ዝኾነ ውሳኔ ኣይሃበሉን።

ቃልሲ ንናጽነት ዚምባብዌ መሪሑ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ሮበርት ሙጋበ፣ ድሕሪ ናይ 37 ዓመታት ኣብ ስልጣን፣ ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ኣብ 2017 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ መበል 94 ዓመቱ ከምዝሞተ ይዝከር።

እንተኾነ፣ እቲ መራሒ ነበር፣ ብውልቁ ብዛዕባ ዝውንኖ ሃብቲ ዝኾነ ሓበሬታ ከይተዋህበ’ዩ ጸኒሑ።

ሙጋበ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሃገሩ ከምዘለዉ ዝተገልጸ 10 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብን ሚልዮናት ዝግመት ንብረትን፣ ኣብ ባንክታት ቻይናን ሆንጎኮንግ’ውን መጠኑ ዘይተገመተ ገንዘብ ከምዘለዎ’ዩ ዝዝረብ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቅ፣ “ሓለይቲ ህዝብን ሃገርን ኢና” እናበሉ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ዘዋሕልልዎ ሚልዮናት ዶላራት፣ ኣብ ናይ ውልቆም ወይ ድማ ብስም ናይ ቀረባ ቤተሰቦም ክኽዝኑ እዚ ናይ ሙገበ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ናብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0