ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክትስሕብ ከምእተደሊ ተቓሊዑ

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክትስሕብ ከምእተደሊ ተቓሊዑ

Radio Erena: 17 August 2017

Mohamed Bin Salman

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክትስሕብ ከምእትደሊ ቀዳማይ ወራሲ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን እታ ሃገር መሓመድ ቢን ሳልማን ንሰበ ስልጣን ኣመሪካ ምሕባሩ ተቓሊዑ።

ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ክትዕወተሉ ዘይክኣለት ንኽልተ ዓመታት ዝቀጸለ ኵናት የመን ክትስሕብ ከምእትደሊ ዝቓላዕ ዘሎ፣ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማርቲን ኢንዲክ ናብ ኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ዮሱፍ ዖጣይባ ዝልኣኾ ናይ ኢመይል መልእኽታት ድሕሪ ምልሓዅ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ዝልሓዅ፣ ካብ ወርሒ ለካቲት 2017ኣትሒዞም ዝተለዋወጥዎ ናይ ኢ መይል መልእኽታት፣ ኵናት ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ዝመርሐ መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ኣማኻሪ ጸጥታ ኣመሪካ ነበረ ስቴፋን ሃድለይ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ሶኡዲ ነቲ ኣመሪካ ኣንጻር ኢራን እትኽተሎ መርገጺ ከምዝድግፍ ብምርግጋጽ፣ ካብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ግና ክትስሕብ ከምእትደሊ ኣነጺሩ።

ነቲ ልሑዅ ዘሎ መልእኽታት ከም መርትዖ ሒዛቶ ከምዘላ ዝገለጸት ማዕከን ዜና ሚድል ኢስት ኣይ (Middle East Eye)፣  ንኣምባሳደር ኢንዲክ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተወኪሳቶ፣ ኣብ ውልቃዊ ናይ ኢመይል መልእኽታት ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ከምዝሓበራ ጠቒሳ።

ኣብ 2015 ዝተጀመረ ኵናት ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ የመን ከቢድ ሰባውን ንዋታን ዕንወት ኣውሪዱ እኳ እንተሎ፣ ነቲ ኵናት ንዝመርሐት ስዑዲ ዓረብ ከኣ  ኣብ ፖለቲካዊ ነውጺ ሸሚሙዋ ከምዘሎ ተንተንቲ የመልክቱ።

ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣንጻር ሑቲ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክዛዘም ከምዘይክእል ርጉጽ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ፖለቲካዊ ዘተ ከም ኣማራጺ ክቐርብ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። 

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ተመሪሑ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝደገፋ ኤርትራ፣ ሱዳንን ጅቡቲን  ወትሃደራዊን ሎጊስቲካውን ሓገዛት የበርክታ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0