ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝምድንአን ንምድልዳል ተወሳኺ ስጉምታት ይወስዳ

ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝምድንአን ንምድልዳል ተወሳኺ ስጉምታት ይወስዳ

Radio Erena: 16 August 2017

PM Haile in Sudan

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣቐዲሙ ንዝኸተመ ኣብ ጸጥታ ዶብን ሓባራዊ ረብሓታት ዘተኮረ ስምምዓት ብዝያዳ ንምድልዳል ዝዓለም ርክብ የካይዱ።

እዚ ተበግሶ ከምዝተወስደ ዝግለጽ ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ሰሉስ 15 ነሓሰ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምምርሑ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣኣብዚ ናይ ካርቱም ዑደት ብዛዕባ’ቲ ኣቀዲሙ ዝተበጽሐ፣ ኣብ ጸጥታ ዶባት ብሓባር ክሰርሓ ዝብል ስምምዕ፣ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘሰሓሕን ዘሎ ክፋል ዶብ ኣል ፋሽጋ፣ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዞባ ናይል፣ ህሉው ዝምድና ግብጽን ሱዳንን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋታትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ክዘራረብ ምዃኑ ካብ ሱዳን ዝተፈነወ ሓበሬታ የመልክት።

በብጉዳየን ምስ ግብጺ ዝሰሓሓባ ዘለዋ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣንጻር ግብጺ ሓባራዊ መርገጺ ንኽሕዛ ዝዓለም ሓባራዊ ወትሃደራዊ ሓይሊ ከቑማ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ስምምዓ ምኽታመን ማዕከናት ዜና ግብጺ ከቃልሓ ጸኒሐን’የን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0