ሱዳን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ተወሳኺ ሓገዝ ክገብረሎም ትጽውዕ

ሱዳን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ተወሳኺ ሓገዝ ክገብረሎም ትጽውዕ

Radio Erena: 17 August 2017

Refugees in Kassala

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ተወሳኺ ሓገዝ ክገብረሎም መንግስቲ ሱዳን ጸዊዑ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዝጸውዐ፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናታት እድሪስ ሱሌማን ንወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኖሪኮ ዮሺዳ ብ14 ነሓሰ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ኣኣብዘዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ርክብ፣ ሕቡራት ሃገራት ነቶም በብእዋኑ ናብ ሱዳን ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ንምሕጋዞም እኹል ምወላ ክቕርብ ሓቲቱ።

ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንሱዳን ናይ ልዕሊ 150 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዝሰልዓላ ዝዝከር’ዩ።

እታ ሃገር፣ እዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተሰልዐ ገንዘብ እኹል ከምዘይኮነ’ያ ትገልጽ።

እንተኾነ ሱዳን፣ ብስም ሓገዝ ንስደተኛታትን ስደተኛታት ንምግታእን እትረኽቦ ሚልዮናት ሓገዛት ደኣ’ምበር ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኣተሓሕዝኦምን ከምዘይትግደስ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይነቕፉ።

ኣብ ሱዳን፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣስታት 2 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዘለዉ’ዩ መንግስቲ እታ ሃገር ዝገልጽ።

እቶም ኣስታት 110 ሽሕ ካብዚኣቶም ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0