ስዑዲ ዓረብ፣ ንመጀመርያ እዋን፣ ደቂንስትዮ ብዘይ መሰነይታ ደቂተባዕትዮ ክገሻ’የን

Radio Erena: 23 August 2019

ኣብ ታሪኽ ስዑዲ ዓረብ፣ ንመጀመርያ እዋኑ፣ ደቂንስትዮ ብዘይ መሰነይታ ደቂተባዕትዮ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሻ’የን።

ክፍሊ ፓስፖርት እታ ሃገር ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ዘለዋ ደቂንስትዮ፣ ካብ ሰሉስ 20 ነሓሰ ኣትሒዘን፣ ፖስፖርት ከውጽኣ ኮነ በይነን ክገሻ ምጅማረን ኣፍሊጡ።

ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ እታ ሃገር፣ ብዘይ መሰነይታ ደቂተባዕትዮ ፓስፖርት ንምሓዝን ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምጋሽን ቅጥዕታት ኣብ ምምላእ ከምዘለዋ እቲ ክፍሊ ኣረጋጊጹ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ደቂንስትዮ ከም መዝገባ ውላድ፣ መረጋገጽ ዕለተ ልደትን መርዓን ምውጻእ፣ ፍትሕ ምሕታት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ሲቪላዊ ምምሕዳር ብዘይ መሰነይታ ደቂተባዕትዮ ክገብርኦ ከምዝኽእላ ኣፍሊጡ’ዩ።

ካብዚ ሰሙን’ዚ ኣትሒዙ ድማ እቲ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣሎ።

እዚ ንደቂንስትዮ ተዛማዲ መሰረታዊ መሰላት ዝሕሉ ኣዋጅ፣ ካብ ኣኽረርቲ ወገናት እታ ሃገር ተቓውሞታት ገጢምዎ ይርከብ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ’ውን ደቂንስትዮ፣ መኪና ክዝውራ ዝፈቅድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ምውዓላ ኣይርሳዕን።

ብስም እስላማዊ ሕግታት “ሸሪዓ” መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ምስ ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ እትርከብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብ”ራኢ 2030” ዝፍለጥ፣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውያን መሰላት ዜጋታትን ብዙሕ ለውጥታት ንምትእትታው ጀሚራ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0