ስዑዲ ዓረብ፣ ሰራዊታ ናብ ደሴት ሶኮትራ ናይ የመን ተዋፍር

ስዑዲ ዓረብ፣ ሰራዊታ ናብ ደሴት ሶኮትራ ናይ የመን ተዋፍር

Radio Erena: 15 May 2018

saudi soldieres

ስዑዲ ዓረብ፣ ሰራዊታ ናብታ ንቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን እተራኽብ ስትራቴጅያዊት ደሴት ሶኮትራ ከምዘዋፈረት ኣፈኛ ናይቲ ናይ ሃገራት ዓረብ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ቱርኪ ኣል ማሊክ ሓቢሩ።

ስዑዲ ናብታ ደሴት ሰራዊታ እተዋፍር ዘላ ምስ መንግስቲ የመን ብምርድዳእ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ኣፈኛ፣ ዕላምኡ ምስ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ሓባራዊ ልምምድ ንምክያድ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ኣቐዲሙ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ የመን ናብታ ደሴት ሰራዊታ ብምውፋራ፣ መንግስቲ የመን ወራር ከምዝፈጸመት’ዩ ክወቅስ ጸኒሑ።

እንተኾነ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ ናብ ደሴት ሶኮትራ ናይ የመን ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክስሕብ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብጉዳይ የመንን ምስሕሓብ ምስ ቀጠርን ኣሳቢበን ኣብ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝፍጽምኦ ዘለዋ ምትእትታዋት፣ ምትፍናን ይፈጥር ከምዘሎ’ዩ ዝትንተን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0