ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ናይ መወዳእታ መጠንቐቕታ ተመሓላልፍ

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ናይ መወዳእታ መጠንቐቕታ ተመሓላልፍ

Radio Erena: 10 August 2017

Saudi to Deport

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ (ኢቓማ) ዘይብሎም ወጻእተኛታት ክወጹ ናይ መወዳእታ መጠንቐቕታ ኣመሓላሊፋ።

እታ ሃገር፣ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኸፈተቶ ዕድል ወለንታዊ ምምላስ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ነናብ ሃገሮም፣ ኣብ መጀመርያ ዕለት ናይዚ ወርሒ’ዚ ድሕሪ ምብቕዑ፣ ናይ ግፋ፣ ምእሳር፣ ገንዘብ ምቕጻዕን ምጥራዝን ዝኣመሰለ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዳ፣ ኣብዘን ሒደት መዓልታት ክወጹ ትጽውዕ ኣላ።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ካብ ስዑዲ ክወጹ፣ ንነፍሲ ወከፍ ነባሪ ስዑዲ ዓረብ ብሞባል ናይ ጽሑፍ መልእኽታት ወይ Text messages፣ ከመሓላልፍ ዝጸንሐ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ሚልዮናት ካብ ዝግመቱ ወጻእተኛታት ኣስታት 600 ሽሕ ጥራይ ነቲ ዕድል ከምዝተጠቕምሉ ይጠቕስ።

32 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ እቶም ኣስታት 12 ሚልዮን ወጻእተኛታት’ዮም።

መብዛሕቶም ዜጋታት ኤስያ ዝኾኑ ካብዞም ወጻእተኛታት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ወኒኖም ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝተዋፈሩ እኳ እንተኾኑ፣ ልዕሊ 3 ሚልዮን ዝግመቱ ግና ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ምዃኖም ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ የመልክት።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ወለንታዊ ምምላስ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ደው ካብ ዘበለትሉ ዕለት፣ ኣብ ጎደናታታ፣ ትካላት፣ ኣብያተ ሸቐጣትን መንበሪ ኣብያትን ጽዑቕ ግፋ ንምክያድ ተዳልያ ከምዘላ’ያ ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0