ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ይበጽሕ

ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 10 August 2017

AFRICOM

ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣልክሳንደር ላስካሪስ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ተዘራሪቡ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ብሮቡዕ 9 ነሓሰ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓዋድ ኢብን ዓውፍ ምስ ዝርከቦም ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳን ብምርኻብ፣ ጸጥታ እቲ ዞባ ኣብ ምምሕያሽ ኣመሪካን ሱዳንን ብሓባር ክገብርኦ ብዛዕባ ዝኽእላ መደባት ተመያይጦም።

ኣመሪካ ምስ ሱዳን ከምዚ ዓይነት ምይይጥ ተካይድ ዘላ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ምምሕዳር ትራምፕ እገዳ ሱዳን ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘለዎ ክቕጽል ምውሳኑ’ዩ።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምምራሕ፣ እገዳ ሱዳን ንኽለዓል ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ንጉስ ሳልማን ኣበርክቶ ክገብር ከምዝሓተቶ ይግለጽ።

ኣመሪካ፣ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕሎ ወይስ ክትቕጽሎ ኣብ 12 ጥቅምቲ 2017 ውሳኔኣ ክትህብ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ብወግዒ ዝደገፈትን ሰራዊታ ዘሰለፈትን ሱዳን፣ ንስዑዲ ዓረብን ደገፍታን ምስ ቀጠር ዘሰሓሕብ ኣብ ዘሎ ጉዳይ ናይ መንጎኛ መርገጺ’ያ ወሲዳ።

ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ምንቕስቓስ እተካይድ ዘላ ሱዳን፣ ምስ ግብጺ ንዘለዋ ምስህሓብ’ውን ብዘተ ንምፍትሑ’ውን ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ፣ ኣብ ዞባታት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ንዘሎ ኩነታት ብሰለማዊ መንገዲ ንምዕራፉ ዝጀመረቶ ተበግሶታት ክትቕጽሎ ቅርብቲ ምዃና ንማሕበረ ሰብ ዓለም ደጋጊማ ትሕብር።

ይኹን’ምበር ን28 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዘይካ’ቲ ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ እገዳ፣ ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሱ ስለዝርከብ፣ ካብቲ ክሲ ናጻ ምዃኑ ከረጋገጽ ሓያሎ ዲፕሎማስያውያን ፖለቲካውን ቅልስ ከምዝተርፎ ፖለቲካውያን ተንተንቲ የረድኡ።

============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0