ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ግብጽን ኣመሪካን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ግብጽን ኣመሪካን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: 08 August 2018

Egypt military training

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ግብጽን ኣመሪካን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን።

እቲ ብ5 ነሓሰ ዝተዛዘመ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ን11 መዓልታት ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ሓይልታት ባሕርን ኣየርን ዘጠቓለለ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ግብጺ፣ ምስ ፈረንሳን ብሪጣንያን’ውን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ተመሳሳሊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ተካይድ ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብፍላይ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን፣ ንቀይሕ ባሕሪ ናይ ምቁጽጻርን ህላወ ኢራንን ቀጠርን ካብቲ ዞባ ንምእላን ይሰርሓ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት መቐጸልታ ናይዚ ድሌታት ኮይኑ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓደገኛ ናይ ህልኽን ምውድዳርን መድረኽ ደፊእዎ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0