ኤርትራ፣ ካብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ርዋንዳ 2018 ቦኺራ

ኤርትራ፣ ካብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ርዋንዳ 2018 ቦኺራ

Radio Erena: 07 August 2018

eritrea bongoኤርትራ፣ ካብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ርዋንዳ ከምዝሰሓበት ማዕከናት ዜና ካብ ኪጋሊ ሓቢረን።

ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኤርትራ፣ ካብ ዙር ርዋንዳ 2018 ከምዝሰሓበት ዘፍለጠት፣ እቲ ቅድድም ክጅመር 72 ሰዓታት ምስ ተረፎ’ዩ።

ከም መተካእታ ሓንቲ ናይ ካሜሩን ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኣብቲ ዙር ተጸንቢራ ኣላ።

ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ካብዚ ብሉጽ ዓወታት እተመዝግበሉ ኣህጉራዊ ቅድድም ዙር ርዋንዳ ዝሰሓበትሉ ምኽንያት ኣይተገልጸን።

ዙር ሩዋንዳ 2018 ብሰንበት 5 ነሓሰ ፈሊሙ ክሳብ ሰንበት 12 ነሓሰ ክሰላሰል’ዩ።

ካብ 2009 ኣትሒዙ፣ ዓመታዊ ዝካየድ ቅድድም ዙር ርዋንዳ፣ ናይ 2.2 ደረጃ መዐቐኒ ዘለዎ ኮይኑ ካብ ዝመጽእ ዓመት ናብ 2.1 ክብ ክብል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎ ዝዓበየ ቅድድም፣ ኣብ ጋቦን ዝካየድ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ኮይኑ፣ ካብ ዝመጽእ ዓመት ከኣ ዙር ርዋንዳ ክጽንበሮ’ዩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0