ስዑዲ ዓረብ፣ ህጹጽ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ ክካየድ ጸዊዓ

Radio Erena: 24 May 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ህጽጽ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ን30 ግንቦት ኣብ ከተማ ማካ ክካየድ ጸዊዓ።

እታ ሃገር፣ ነዚ ዋዕላ ዝጠለበትሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ኣብ ርእሲ ዘሎ ምክፍፋል፣ ጉዳይ ኢራን’ውን ሻቕሎት ስለዝፈጠረ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶማል፣ የመን፣ ሶርያ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብን ንዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብዚ ዋዕላ ክዝተየሉ ትጽቢት ኣሎ።

ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ሃገራት ዓረብ ዘካበባ ስዑዲ ዓረብ፣ ንወትሃደራዊ፣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ናይቲ ዞባ ኣብ ትሕቲኣ ንምእታው ትጽዕር ከምዘላ ሓያሎ ወገናት ይነቕፉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0