“ኤርትራ፣ ብሰንኪ ኣህጉራዊ ተነጽሎ፣ ኣብ ሕማቕ ቁጠባዊ ኩነታት’ያ ትርከብ፣” IMF

Radio Erena: 24 May 2019

ኤርትራ፣ ብሰንኪ ኣህጉራዊ ተነጽሎ፣ ኣብ ሕማቕ ቁጠባዊ ኩነታት ከምእትርከብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ነዚ ዝገለጸ፣ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናይቲ ትካል፣ ካብ 13 ክሳብ 22 ግንቦት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ዩ።

ልኡኽ IMF ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ልዕሊ ሓደ ሰሙን፣ ምስ ዝተፈላልዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብምርኻብ ኣብ ህሉው ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ዘትዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ኣህጉራዊ ተነጽሎ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ብምጥቃስ ንምምሕዳሩ፣ ህጹጽ ስጉምታት ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ 20 ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብን ምልዓል እገዳን፣ ንምብርባር ቁጠባ ኤርትራ ሓጋዝ ምዃኑ ዝኣመነ እቲ ልኡኽ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብግቡእ ዝተሰነደ ስርዓተ መዝገብ ቁጠባ ዘይምህላው ካልእ ጸገም ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ልኡኽ፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ ኣብ ሕርሻን ማዕድንን ዝተመርኮሰ’ዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ሕርሻ፣ ኣብ ዝናብ ጥራይ ዝተመርኮሰ ብምዃኑ፣ ውሕስነቱ ዘየተኣማምን’ዩ።

ሓፈሻዊ እቶት ኤርትራ ከንቆልቁል ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ልኡኽ IMF፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ ምብርባር ከርአ ተስፋታት ተነቢርሉ ከምዘሎ ኣሚቱ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ኣብ ቴክኒካውን ካልእን መዳያት ክተሓጋገዝ ቅሩብ ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0