ስዑዲ ዓረብን ግብጽን፣ 10 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተት ሓዳስ ከተማ ክሃንጻ ተሰማሚዐን

ስዑዲ ዓረብን ግብጽን፣ 10 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተት ሓዳስ ከተማ ክሃንጻ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 06 March 2018

sinai

ስዑዲ ዓረብን ግብጽን፣ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተት ሓዳስ ከተማ ክሃንጻ ከምዝተሰማምዓ ተሓቢሩ።

እታ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ፣ ኣብ ኣስታት 1 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ኣብ ዘለዎ መሬት፣ ክትህነጽ ምዃና ዝተሓበረ ከተማ፣ ንወፍሪ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣገዳሲት ምዃና ክልቲኦም ውገናት ይገልጹ።

ስዑዲ ዓረብ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና ምስ ግብጺ ክትሃንጻ መዲባታ ዘላ ከተማ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ’ውን ንበጻሕቲ ሃገራት ክፍቲ ዝኾነት ከተማ ብኣስታት 500 ቢልዮን ንምህናጽ ፕሮጀክት ሒዛ ትርከብ።

እዘን ክልተ ኣባላት ሃገራት ዓረብ ናብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ክበጽሓ ዝኸኣለ፣ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝምዘዝ፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ እዚ ናይ ግብጺ ናይ መጀመርያ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0