መንግስቲ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ዱባይን ኣብ ጉዳይ ወደብ በርበራ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተምኦ ስምምዕ ተቓዊሙ

መንግስቲ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ዱባይን ኣብ ጉዳይ ወደብ በርበራ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተምኦ ስምምዕ ተቓዊሙ

Radio Erena: 06 March 2018

somale

ኢትዮጵያን DP world ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ጉዳይ ወደብ በርበራ ምስ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተምኦ ስምምዕ ንሉኡኣላውነት ሓንቲ ሶማል ዝግህስ’ዩ ክብል መንግስቲ ሶማል ተቓዊሙ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ስምምዕ ንቕዋም ሶማልን ሓድነት እታ ሃገርን ዝጻረር ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን ክብል’ውን ነጺግዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዓሊ ኻይረ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣካል ሶማል ክነሳ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከይተዘራረበት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ክትኣቱ ከምዘይትኽእል ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ብወገኑ፣ እታ ካብ 1991 ኣትሒዛ ናይ ርእሳ በይናዊ መንግስቲ ኣዊጃ እትርከብ ሶማሊላንድ ከም ዝኾነት ሃገር ዝኾነ ስምምዕ ክትክትም መሰላ ምዃኑ ሓቢሩ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ስያድ ባረ፣ ሶማሊላንድ ካብ ሶማል ተፈልያ ኣብ 18 ግንቦት 1991 ርእሰ ምምሕዳር ከምዝኣወጀት ይዝከር።

እንተኾነ፣ እታ በይናዊ ናጽነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ቅድሚ ምርካባ ምስ መንግስቲ ሶማል ክትዘራረብ ከምዘለዋ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ጸቕጢ ክቐርበላ ጸኒሑ’ዩ።

ኩነታት ሶማሊላንድ ኣብ ከምዚ ኩነታት እናሀወለ ከኣ’ዩ፣ መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ንኣገልግሎት ወደብ በርበራ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያን DP world ናይ ዱባይን ዝሓለፈ ሰሙን ስምምዕ ከቲሙ ዘሎ።

ብመሰረት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ DP World ናይ ዱባይ ን51% ናይ ወደብ በርበራ ኣገልግሎታት ክውንን እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ድማ ን19 % ዓዲጋቶ ኣላ።

ዝተረፈ 30 % ከኣ ብመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ተሓዚኡ ይርከብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0