ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ንነዊሕ ዓመታት ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ዝምድንአን ንምሕዳስ ዘትየን

Radio Erena: Friday, 18 August 2023

ስዒዲ ዓረብን ኢራንን፣ ንነዊሕ ዓመታት ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ዝምድነአን ንምሕዳስ ዘትየን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፣ ሑሴን ኣሚር ዓብልሓያን፣ ንናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት፣ ብ17ነሓሰ፣ ናብ ሪያድ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሰብ ስልጣንን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝምድና ሃገሩን ስዑዲ ዓረብን ተመያይጡ።

ስዑዲ ዓረብን ኢራንን፣ ዝምድንአ ናብ ንቡር ክምለሳ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ብመንጎኝነት ቻይና ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ስምምዕ ደረጃ ብደረጃ እናዓበየ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣምባሳደራት ክለዋወጣን፣ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ዜጋታትን ብስሩዕ ክጅምራን ዘኽእል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ብእምነት ሺዓ እትምራሕ ኢራን፣ ኣብ የመን ንዝርከቡ ተመሳሳሊ እምነት ዘለዎም ሑቲ ብምድጋፍ፣ ብኣመንቲ ሱና ንዝተዓብለለት ስዑዲ ዓረብ፣ ጸጥታዊ ስግኣት ንምፍጣር ከምእትሰርሕ’ያ ክትወቕሳ ጸኒሓ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ክልትኤን ሃገራት፣ ምስ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ብዘለወን ኣብ ጆኦ ፖለቲካ፣ ንግዲን ካልእን ዘይቃዶ ምትእስሳራት ብዝበኣሰ ከምዝተፋነና ከምዝገበረን ተንተንቲ የርድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0