ስዑዲ ዓረብን ሕ/ ኢማራትን ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ሄሊኮፕተራት ኵናት ካብ ኣመሪካ ክሽምታ’የን

Radio Erena: 12 December 2016

Helicopters

ኣመሪካ ንስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝተራቐቓ ሄሊኮፕተራት ኵናት ክትሸጠለን ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ዝተፈገጸ፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ መዘኻኸሪ ሓበሬታ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እቲ ተመዲቡ ዘሎ ውዕል መሸጣ ኣጽዋር፣ ስዑዲ፣ ቺኑክ ዝዓይነተ፣ ኣብ ምግዕዓዝ ኣጽዋርን ሰራዊትን ዘግልግላ ገዘፍቲ ዘመናውያን ሄሊኮፕተራትን ተወሳኺ ኣቑሑን ብ3.51 ቢልዮን ንምዕዳግ ክትዳሎ እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ ብተመሳሳሊ ኣፓቺ ዝዓይነተን ናይ ኵናት ሄሊኮፕተራት ብ3.5 ቢሎን ካብ ኣመሪካ ክትዕድግ’ያ።

እዚ ስዑዲዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝሽምትኦ ዘለዋ ናይ ቢልዮናት ኣጽዋር ኣብ የመን ኣብ ዘካይድኦ ንዘለዋ ኵናት ክውዕል ምዃኑ’ዩ ዝንግረሉ።

እንተኾነ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ናይ ትራም ምምሕዳር ኣብ ስልጣን፣ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መሸጣ ውዕል ንኻልእ እዋን ክሰጋገር ወይ ከኣ ክስረዝ ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

ስዑዲን ኢማራትን ካብ ፈረንሳ’ውን ዝተራቀቀ ኣጽዋራትን ነፈርቲ ውግእን ንምሽማት ዝዝርብ ኣብ ምክያድ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0