መንግስቲ ኤርትራ፣ ከብትን ጤለ -በጊዕን ግብሪ ክኸፍላ ምግዳዱ ንሓረስቶት ኣቖጢዑ

Radio Erena: 12 December 2016

Farmers

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሕርሻ ገጠርን ኣፍረይቲ እንስሳ ዘቤትን ክኽፈል ሰሊዕዎ ዘሎ ግብሪ፣ ኣብ ሓረስቶት ቁጠዐ ፈጢሩ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ኣብ ልምዳዊ ሕርሻ ገጠር ዝነጥፉ ዜጋታት፣ ካብ ሓደ ሄክታር ዓመታዊ150 ናቕፋ ክኸፍሉ ክውስነሎም እንከሎ፣ ካብ ዝውንንዎ እንስሳ ዘቤት ከኣ ንሓደ ገመል 100 ናቕፋ፣ ንሓደ ከብቲ 100 ናቕፋ፣ ንሓደ ፈረስ 50 ናቕፋ፣ ንሓደ በቕሊ 50 ናቕፋ፣ ንሓደ ኣድጊ 25 ናቕፋ፣ ንሓንቲ ጤል ወይ በጊዕ ከኣ 13 ናቕፋ ኣብ ዓመት ግብሪ ክኽፈለለን ካብ 1 ታሕሳስ 2016 ግብራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ኣውጺኡ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ዕያውቲ፣ ምራኹትን ካልኦት ጠበውቲ እንስሳ ዘቤታት ካብ ግብሪ ናጻ ምዃነን ክሕብር እንከሎ፣ ብዛዕባ ግብሪ ደርሁን ካልኦት እንስሳ ዘቤትን ግና ኣየነጸረን።

እዚ ድማ፣ ነቶም ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ዝነብርዉ ዘለዉ ዝበዝሑ ሓረስቶት፣ እኹል ምህርቲ ይርከቡ ኣየርከቡ ብዘየገድስ፣ ዓመታዊ ኣማኢት ናቕፋ ግብሪ ክግደዱ’ዮም ማለት’ዩ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኹልና ሓበሬታ፣ ግብሪ ምኽፋል ኣብ ዝኾነ ዓለም ዝስርሓሉን ግቡእን እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራግን እኹል ቀለብን መድሃኒትን እንስሳታት ዘቤት ከምኡ ድማ ድዅዒ ከይቀረበን ንሓረስቶት ዝበቕዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከየዋደደን፣ ነቶም ዝበዝሑ ትሕቲ ናይ ድኽነት ንመስመር ዝርከቡ ሓረስቶታት ሃገረና ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ክኸፍሉ የገድድ ምህላዉ’ዮም ዘመልክቱ።

ኣብ ልምዳዊ ናይ ገጠር ሕርሻ ዝተዋፈሩ፣ ካብ ሕርሻ ወጻኢ ካልእ ክናበርሉ ዝኽእሉ ኣማራጺታት ምስ ዘይምህላዉ፣ እዚ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ሰሊዕዎ ዘሎ ግብሪ፣ ንተወሳኺ ድኽነትን ሕሰም መነባብሮን ዘቃልዕ ምዃኑ’ውን ኣረዲኦም።

እቲ መንግስቲ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶትን ወነንት እንስሳ ዘቤትን ሰሊዕዎ ዘሎ ግብሪ፣ ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ እንተዘይከፊሎሞ፣ ኣብ ወርሒ ካብ 10 ክሳብ 50 ሚእታዊት ዕዳ ክድብድቦም ምዃኑ’ውን ኣጠንቒቑ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0