ስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ ጾም ሮሞዳን ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘት ሰላም የመን ንምዕዋት፣ ኵናት ደው ከምዘበላ ኣፍሊጠን

Radio Erena: 31 March 2022

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ምእንቲ ‘ቲ ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን ክግበር ትጽቢት ዝተነብረሉ ዝርርብ ሰላም የመን፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘካይድኦ ዘለዋ ኵናት፣ ደው ከምዘበላ ኣፍሊጠን።

እዘን ሃገራት፣ ካብ 30 መጋቢት፣ ንግሆ ኣትሒዘን፣ በይናዊ ምቑራጽ ተዅሲ ከምዝኣወጃ ዘፍለጣ፣ ወትሃደራዊ ሚዛን የመን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ሑቲን ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመንን፣ ናብ ዘተ ክቐርቡ ኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲን ጸቕጢ ይገብሩ ስለዘለዉ’ዩ።

እቲ ዝርርብ፣ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን፣ ኣብ ሪያድ ክካየድ’ዩ ተወጢኑ ኔሩ።

ይኹን’ምበር፣ ሓይልታት ሑቲ፣ ዝርርብ ዘተ ሰላም ኣብ ጻላኢት ዝበሉዋ ሃገር ዝካየድ እንተኾይኑ ከምዘይሳተፉ ኣረጋጊጾም።

ዛጊት ካልእ ዝቐረበ ኣማራጺ ናይ ዝርርብ ቦታ የለን።

ሑቲ ኣቐዲሙ፣ ንሳልስቲ ዝጸንሕ በይናዊ ምቑራጽ ተዅሲ ብምእዋጅ፣ ነባሪ ሰላም የመን ንምውሓስ ዝካየድ ዘተ ክዕወት እንተኾይኑ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ልዕሊ የመን ዘንበርኦ ዕጽዋን ከበባን ክእለ፣ ደድባን ነፈርቲ ውግእ ክቛረጽን ሓይልታቶም ድማ ካብ የመን ከውጽኡን ከም ቅድመ ኩነት ኣቕሪቡ’ዩ።

ካብ 2015 ኣትሒዙ ንሸውዓተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት የመን፣ መቅዘፍትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ካብ ምፍጣር ሓሊፉ፣ ንሓይልታት ሑቲ ክክካብ ዝነበሮም ወትሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ክኣልዮም ኣይከኣለን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0