ፕረዚደንት ኬንያታ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ለውጢ ንምግባር ዘቕረቦ እማመ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተነጺጉ

Radio Erena: 01 April 2022

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ለውጢታት ንምግባር ዘቕረቦ እማመ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነጺግዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ነቲ ተበግሶ ምህናጽ ድልድል ዝተሰምየ እማመ ጽገና ቅዋም ዝነጸጎ፣ ፕረዚደንት ቅዋም ናይ ምልዋጥ ይኹን ናይ ምምሕያሽ ስልጣን የብሉን ብዝብል’ዩ።

ንተበግሶ እቲ ፕረዚደንት’ውን፣ ‘ዘይሕጋዊ’ ክብል ገሊጽዎ።

ፕረዚደንት ኬንያታ ካብ ዘቕረቦ እማመ ለውጥታት ቅዋም፣ ብዝሒ ኣባላት መናብር ባይቶ ካብ 290 ናብ 360 ምዕባይ ዝብል ይርከቦ።

ን10 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኬንያታ ስልጣኑ ወዲኡ ክፋኖ ተቓሪብሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ንምክትሉ ኣባል ሰልፉን ንዝኾነ፣ ወዲ 54 ዓመት ዊልያም ሮቶ ሓዲጉ፣ ንመራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ከምዝድግፍ ‘ዩ ገሊጹ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ስልጣኑ፣ ብህዝቢ ንዝተመርጸ ፕረዚደንት ስልጣን ከረክብ ዝግደድ ፕረዚደንት ኬንያታ፣ ቅድሚ ምእላዩ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ለውጢ ክገብር ዝደለየሉ ምኽንያት፣ ብኻልእ መልክዕ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝዓለመ ስልቲ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይገልጹ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፣ ንተወሳኺ ሳልሳይ እዋን ናብ ስልጣን ክወዳደር ዘይፍቀዶ ፕረዚደንት ኬንያታ፣ ኣብ ክንዲ ንሰልፉ፣ ክዕወት ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ንዝእመነሉ ተቓዋሚኡ ነበር ራይላ ኦዲንጋ ምድጋፉ፣ ምናልባት ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ናብ ስልጣን ናይ ምምላስ ድሌት ወይ ስምምዕ ክህልዎ ይኽእል ዝብል ትንታነታት’ውን ይወሃቦ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0