ኣብ ክልል ዓፈር፣ ጽዑቕ ኵናት ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 31 March 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኵናት ደው ክብል ምውሳኑ፣ ተቐባልነት እኳ እንተረኸበ፣ ዛጊት ዝተራየእ፣ ረዲኤት ናይ ምብጻሕ ተበግሶ ከምዘየለ ብወገን ትግራይ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ናብ ህዝቢ ትርግራይ ረዲኤት ንምብጻሕ ንዝብገሱ ትካላት ግብረ ሰናይ ዕንቅፋት ከምዘይገብር ደጋጊሙ’ዩ ዝሕብር ዘሎ።

እንተኾነ፣ ረዲኤት ክሓልፈሉ ዝክእል መስመራት ክልል ዓፈር፣ ኣብ ጽዑቕ ኵናት ስለዝርከብ፣ ዓንቂፉ ከይከውን ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ይስማዕ’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮሞ ካብ ዘለዉ ሽዱሽር ምምሕዳር ከባቢታት ክልል ዓፈር፣ ኣብተን ክልተ ኵናት ይቕጽል ከምዘሎ ንሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ብምውካስ፣ ሮይተርስ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘሕለፎ ውሳኔ ንደሓር፣ ሻድሻይ መዓልቱ ኣቝጺሩ፣ ዛጊት ዝኣተወ ረዲኤት ዘይምህላዉ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ዝካየድ ዘሎ ኵናት ጥራይ ከም ምኽንያት ምቕራብ ቅኑዕ ኣይኮነን ይብሉ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርህይቶ ማሕበራዊ ሜድያ።

እቲ መንግስቲ፣ ‘ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኵናት ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲደ’ ምባሉ፣ ንፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲን ናይ ግዜን መኽሰብ ንምርካብ ተባሂሉ ደኣ’ምበር፣ ብግብሪ ሰራዊትን ኣጽዋርን ይእክብ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ብወገን ትግራይ ይልሑኽ ኣሎ።

ተስፋ ሂቡ ክብሃል ዝጸንሐ ተበግሶታት ንዘተ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ዳግም እንተፈሺሉ፣ ክልቲኦም ወገናት እንደገና ናብ ደማዊን ኣዕናውን ኵናት ክሽመሙ ምዃኖም ዝተፈላለዩ ወገናት የጠንቅቑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር እዅል ነዳዲ ክቕርብ ከምዘይክኣለ ተገሊጹ።

ኣብ ሓያሎ ክልላት፣ ብዝተፈጥረ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ዘምይርግጋእ ዕዳጋ ፈጢሩ ከምዘሎ ዝሓበሩ መርበባት ዜና ኢትዮጵያ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን እኹል ናይ ነፈርቲ ነዳዲ ስለዘይብሉ፣ በመዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝሓልፋ ናይ ካልኦት ሃገራት ነፈርቲ፣ ኣብ ካልእ ሃገር ነዳዲ መሊኤን ክመጻ ይሕብረን ምህላው ጠቒሶም።

18 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ነታ ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣውዲቑዋ ከምዘሎ ጸብጻባት ቁጠባ የመልክት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0