ስዊዘርላንድ፣ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሃገሩ እትመልሶ ኤርትራዊ ልዕሊ 15 ሽሕ ዶላር ክትህብ ናይ ክብሪ ቆንስል ኤርትራ ይእምም

ስዊዘርላንድ፣ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሃገሩ እትመልሶ ኤርትራዊ ልዕሊ 15 ሽሕ ዶላር ክትህብ ናይ ክብሪ ቆንስል ኤርትራ ይእምም

Radio Erena: 09 April 2018

Swiss to Expel Eritreans

ስዊዘርላንድ፣ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ሃገሩ ክትመልሶ እትሕልን ኤርትራዊ ስደተኛ ልዕሊ 15 ሽሕ ዶላር (15 ሽሕ ስዊስ ፍራንክ) ክትህብ ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ዶ/ር ቶኒ ሎሸ ኣብ ዘቕረቦ እማመ ገሊጹ።

እቲ ስዊዘርላንዳዊ ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ንጋዜጣ 20 ደቃይቕ ዝሃቦ መብርሂ፣ 99% ካብቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ‘ዮም ድሕሪ ምባል፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ናብ ዓዶም ክመልሶም እንተወሲኑ ቁጠባዊ ሓገዝ ክግበረሎም ከምዝግባእ’ዩ ዝማጎት።

እቲ ናይ ክብሪ ቆንስል ነዚ ዝገለጸ፣ ስዊዘርላንድ፣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ዝጸንሑ ኣስታት 3200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ኣብ እትዘራረበሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ስዊዘርላንድ፣ ልክዕ ከምቲ እስራኤል እትኽተሎ ዘላ ስደተኛታት ብገንዘብ ኣጣይስካ ናይ ምምላስ ፖሊሲ፣ ክትክተል ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ብቆንስል ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ገንዘብ እማመ ግና ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ’ዮም ገለ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ዝጠቕሱ።

እስራኤል ንኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝብል ሓሳብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትዘራረበሉ ዝነበረት እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንነፍሲ ወከፍ ዝመልስ ኤርትራዊ ኣስታት 50 ሽሕ ዶላር ክወሃቦ ከምዝሓተተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምግላጹ ይዝከር።

እንተኾነ እስራኤል ብእትሰርሓሉ ዘላ ፖሊሲ፣ ብመንገዲ እዚ ጻውዒት ንዝወጽእ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ኣስታት 5 ሽሕ ዶላር እናሃበት’ያ ተፋንዎ።

ስዊዘርላንድ’ውን ተመሳሳሊ መደብ እኳ እንተለዋ፣ ነዚ ጻውዒት እዚ ብምትግባር ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ኤርትራዊ ግና የለን።

ኣብ መንጎ ስዊዘላንድን ኤርትራን ጉዳዮም ናይ ዝተነጽጉ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምምላስ ስምምዕ እኳ እንተዘየለ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ስዊስ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኮረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምስ ኤርትራ ክሕይልን ፣ ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ክኽፈትንዮም ዝጽውዑ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0