ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኣስሩ ክልተ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም

ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኣስሩ ክልተ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም

Radio Erena: 09 April 2018

Abdelkadir and Mohamednur

ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዞም ተኣስሮም ዝጸንሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከምዝተፈትሑ ተሓቢሩ።

ነባሪ ኣኽርያ ዝኾነ ህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቓድር ኣሕመድን ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣልሓዲሳ መሓመድኑር ያሕያን፣ ድሕሪ ዝተኻየደሎም መርመራ ብሮቡዕ 4 ሚያዝያ ከምዝተፈትሑ’ዮም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ጠንቂ መእሰሪኦም ዝተሓበረ ነገር እኳ እንተዘየለ ምስ ናይ ኣኽርያ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ምዃኖም’ዮም እቲ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ዝእምንቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ፣ ምስቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2017 ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያን ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓተ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ንዝነበረ መንፈስብ ብዝተሓሓዝ፣ ሓያሎ ነበርቲ ኣኽርያ ዝኾኑ ወለዲ ይእሰሩ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብቲ ዝቕጽልዎ ዘለዎ ናይ ምሳር ዘመተ ደቆም ኣብቲ ብ”እንዳ እስታዝበሽር” ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልስላምያ ንዝመሃሩ፣ ነበርቲ ኣኽርያ ኣኽርያ ዝኾነ ህቡብ ጋዜጠኛ ኣቡበካር ዓብደልኣወልን ክልተ መሻይኽን ዝርከቦም ሸውዓተ ወለዲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተውዎም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስቲ ኣብ ኣኽርያ ዝተወልደ ተቓውሞን ኣብ ስነ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ንዝነበረ መንፈስን ብዝተሓሓዝ ንወለድ ተማሃሮን ኣባላት ኮሚተ ወለዲ ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል እስላምያን፣ በብእዋኒ እናኣሰሩ መርመራ የካይደሎም ከምዘሎ በብእዋኑ ዝበጽሓና ዘሎ ዜና የመልክት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0