ስምኦን ዘውደ፣ ሰኣላይን ጋዜጠኛን ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ወጋሕታ ተቐቲሉ ተረኺቡ

ስምኦን ዘውደ፣ ሰኣላይን ጋዜጠኛን ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ወጋሕታ ተቐቲሉ ተረኺቡ

Radio Erena: 10 October, 2014

Simon Zewde

ጋዜጠኛን ሰኣላይን ኤሪቲቪ፣ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ስምኦን ዘውደ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ን15 ዓመታት ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘገልገለ ጋዜጠኛን ሰኣላይን ስምኦን ዘውደ፣ ሎሚ ወጋሕታ ማይተመናይ ናብ ዝርከብ ገዝኡ እናምርሐ እንከሎ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ጉጅለ መንእሰያት ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን፣ ናብ ሆስፒታል ምስተወስደ’ዩ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ዝተረጋገጸ።

ኣብ ኣስመራ፣ ፋሉልነትን ስርዓት ኣልቦነትን እናገነነ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ክትራንን ስርቅን ዝውቱር ኮይኑ ምህላዉ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ምሸት ምንቕስቓስ ኣሰካፊ ኮይኑ ከምዘሎ ጠቒሶም።

 

እታ ብሰላምን ጸጥታኣን እትህረፍ ዝነበረት ከተማ ኣስመራ፣ በብጉጅለታት እናተወዳደቡ እንባጋሮን ባእስን ብዝፈጥሩ ፋሉል ዝኸዱ መንእሰያት ተጎቢኣ ከምዘላ ዘዘኻኸሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ እዋን ውድቀት ስርዓት ደርግ ዝነበረ ናይ ጉሩፕ ባእስን ዕግርግርን ከምዘዘኽእኽር’ውን ኣመልኪቶም።

መነባብሮ ህዝቢ ባይታ ዘቢጡ፣ ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘይብሉ ፋሉል ዝኸይድ ዘሎ ምሕደራ መንግስቲ፣ ንስርቅን ዕግርግርን ዘተባብዕ ብምዃኑ፣ ናይዚ ዝርአ ዘሎ ኣሻቓሊ ማሕበራዊ ቅልውላው ተሓታቲ መንግስቲ ምዃኑ’ውን ህዝቢ ብዓውታ ዝዛረበሉ’ዩ።

ተስፋ መንእሰያት ክጽልምት ዝገበረ ህሉው ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ወትሃደራውያን ኩነታት ኤርትራ፣ ነዚ ሕጂ ገኒኑ ዘሎ ክትራን ስርቅን እምባጋሮን ከምዝፈጠረ’ውን ሓያሎ ኣብነታት እናጠቐሱ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ጸልማት ተጎልቢቡ ዝክካየድ ስርቅን ክትራንን ዝውቱር ኮይኑ ምህላውን ዓታሩ ናይ ጋዝ ብብዝሒ ዝስረቐሉ ኣጋጣሚታት ህዝቢ ክሳብ ናብ ጥርዓን ዝበጽሓሉ እዋናት ምህላዉ’ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ደብዳቤታት ኣንበብቲ ዝሰፈረ’ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0