ሱድንን ኢትዮጵያን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምግታእ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ኣሃዱ ከቑማ ተሰማሚዐን

ሱድንን ኢትዮጵያን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምግታእ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ኣሃዱ ከቑማ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 11 October 2017

Sud Ethio border

ሱድንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ንዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምግታእ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ኣሃዱ ከቑማ ከምዝተሰማምዓ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ዝስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ኣመሓደርቲ እተን ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝርከባ ዞባታት ገዳርፍን ኣምሓራን ከምኡ ድማ ሓላፍቲ ጸጥታን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ’ዩ።

ኣብቲ ካብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ነቲ ብዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ይኹን ጠበናጁን ዕጸፋርስን ንምቑጽጻሩ ብላዕለዋይ ኣባል ጸጥታ ዝምራሕ ኮሚቴ ክቐውም’ውን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

እቲ ስምምዕ፣ ብዘይካ’ዚ ብመንገዲ ገዳርፍ ናይ ሱዳን ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተዉ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቁጽጻር ክሕግዝ ከምዝኽእል ከምዝኽእል ይግለጽ።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ዞባ ገዳርፍ ናይ ሱዳን፣ ከባቢታት ኣልፋሽጋ፣ ጉዳይ ዋንነት ናይ ሕርሻ መሬት፣ ከሰሓሕብ እኳ እንተጸንሐ፣ ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ጉዳይ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክወስዱ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ጉዳይ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ከይተፈትሀ እንከሎ ድማ’ዮም ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ከባቢ ዶባት ሓብራዊ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ንምቛም ስምምዕ ዝኽትሙ ዘለዉ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ሓያሎ ጉዳይ ዘተኮረ ሓባራዊ ስምምዓት ይኽትማ ምህላወን ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0