ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ህንዲ ዝኾነ ኢሰል፣ ኣብ ባዳ ኣብ ኩዕታ ፖታሽ ክዋፈር’ዩ

ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ህንዲ ዝኾነ ኢሰል፣ ኣብ ባዳ ኣብ ኩዕታ ፖታሽ ክዋፈር’ዩ

Radio Erena: 11 October 2017

Essel

ኢሰል ዝተባህለ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ዕደና ህንዲ፣ ኣብ ኩዕታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ፣ ከባቢ ባዳ ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ክዋፈር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመደበሩ ኣካል ኢሰል፣ ነቲ ናይ ባዳ ናይ ፖታሽ ፕሮጀክት ኩዕታ ንምክያድ ነቲ ውዕል ከምዝኸተሞ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ናይ ኩዕታ ፕሮጀክት ንምክያድ፣ ኮሎናድ ዝተባህለ ናይ ህንጻን ዳህሳስን መሳርሒታት ዘፍሪ ኩባንያ፣ ኣቑሑ ክቕርበሉ ምዃኑ ዝገለጸ ምክትል ሓላፊ ኢሰል፣ ፑንጋጅ ጉፕታ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ን30 መዓልታት ዝቕጽል ናይ ፈተነ ኩዕታ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኢሰል፣ ነዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቀረባትን ምሃብ ኣገልግሎታትን ዝተፈላለዩ ጽላታት ክነጥፍ ዝጸንሐ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ህንዲ’ዩ።

ኣብ ባዳ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ፖታሽ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ፍርያቱ ንዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ኤርትራ፣ ብውሕዱ 16 ናይ ውጻኢ ኩባንያታት ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለየ ማዕድናት ተዋፊረን ከምዘለዋ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ምስ መብዛሕተን እዘን ኩባንያታት 40 ሚእታዊት ብርኪ ወኒኑ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢታት ይኹን ኣታዊታት ዕደና ግሉጽ ኣሰራርሓ ከምዘይብሉ ይንቐፍ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0