ክለብ ኤሪተል፣ ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ትሳተፍ

ክለብ ኤሪተል፣ ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ትሳተፍ

Radio Erena: 10 October 2017

club eritel

ሓንቲ ካብ ክለባት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝኾነት ክለብ ኤሪተል፣ ሎሚ ሰሉስ 10 ጥቅምቲ ኣብ ቻይና ዝጅምር ቅድድም ብሽክለታ ቱር ታይሁ ለይክ ክትሳተፍ’ያ።

ኣብቲ ክሳብ 17 ጥቅምቲ ዝቕጽል ቅድድም፣ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጻ 22 ክለባት ክወዳደራ እንከለዋ፣ ክለብ ኤሪተል ድማ ንኤርትራ ወኪላ ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዝሓቖፈ ቅድድም ትሳተፍ ምህላዋ ተሓቢሩ።

ኣብዚ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ቅድድም፣ ምስ ጋንታ ኤሪተል ተሓቝፎም ዝወዳደሩ ዘለዉ ሽዱሽተ ኤርትራውያን፣- ሚኪኤል ሃብቶም፡ ሻምፕዮን ኤርትራ ሜሮን ኣብርሃም፡ ሚልዮን ኣማኑኤል፡ ዘመንፈስ ሰለሙን፡ ሲራክ ተስፎምን ዳንኤል ሃይለሚካኤልን ይሳተፉ ኣለዉ።

ክለብ ኤሪተል ብተቐዳዳማይ ክለብ ሬድሲ ዝነበረ ኣኽሊሉ ሃይለ እናተኣልየት’ያ ኣብዚ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ትሳተፍ ዘላ።

ኤርትራ፣ ብመዳይ ቅድድም ብሽክለታ ብደረጃ ኣህጉር ዓቢ ስም ካብ ዘለወን ሃገራት’ያ።
============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0