ሱዳን: ጀነራል ኣል-ቡርሃን መፍትሒ ከናዲ ጸቕጢ ይግበረሉ

Radio Erena: Monday 02 October 2023

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሓሙሻይ ወርሑ ኣቑጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሚልዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣለዉ።

ጀነራል ሰራዊት ሱዳን’ ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ሃገር ወጺኡ ናብ ሃገራት ቱርኪ: ደቡብ ሱዳን: ቀጠር: ግብጽን ኤርትራን በጺሑ ኔሩ: ኣብ ኒው ዮርክ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምጉዓዝ ድማ ንባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መድረ ኣስሚዑ።

እዚ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣንጻር መቐናቕንቱ ኣዛዚ ተወርዋሪ ሓይሊ ብርጋደር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ኔሩ: ገና መራሒ ሱዳን ከምዘሎ’ውን ኣረጋጊጹ።

እዚ ስዒቡ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ገና መራሒ ምኳኑ ካብ ኣረጋገጸ ኩነታት ሱዳን ናይ ምፍታሕ ምሉእ ሓላፍነት ክወስድ ካብ ሱዳናውያን ዲፕሎማሰኛታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ጸቕጢ ይውሕዘሉ ከምዘሎ ‘ኢስት ኣፍሪቂ’ እተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብተወሳኺ ብሰራዊቱ ይኹን ብሓውሲ ምልሻ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ ገበን ከቃልዕ ጻውዒት ቀሪብሉ ኣሎ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0