ሱዳን ዶባታ ዝዓጸወትሉ ምኽንያት ካብ ኤርትራን ግብጽን ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዋ ምዃኑ ትገልጽ

ሱዳን ዶባታ ዝዓጸወትሉ ምኽንያት ካብ ኤርትራን ግብጽን ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዋ ምዃኑ ትገልጽ

Radio Erena: 12 Januray 2018

sudan

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ዝዓጸወትሉ ምኽንያት ካብ ኤርትራን ግብጽን ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዋ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብምብራቕ ሱዳን ከባቢ ሳዋ፣ ካብ ግብጽን ኤርትራን ተኽእሎ ስግኣታት ከምዘሎ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ኢብራሂም ማሕሙድ ሓሚድ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ሱዳን ብሰንኪ እዚ ስግኣታት እዚ፣ ብ5 ጥሪ ነቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ብምዕጻው ናብቲ ቦታ ሰራዊታ ከምዘዋፈረት ዘነጸረ ሓበሬታ ሺንሁዋ፣ ብ4 ጥሪ ድማ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ኣመልኪቱ።

ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ዶብ ሓላይብ ኣብ ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ እዋን’ዩ፣ ግብጺ ሰራዊታ ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸት ዝግለጽ ዘሎ።

ድሕሪ’ዚ ኩነታት፣ ሱዳን ብላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ዝምራሕ ልኡኻ ናብ ኢትዮጵያ ክትሰድድ እንከላ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተዛማዲ ዝሓሸ ዝምድና ዝጸንሖ ሃገር ሱዳን ጥራይ’ያ ኔራ።

ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ምስ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ሱዳንን ኣብ ምውጣጥ ይርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0