ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ኮሎምቦስ ኣመሪካ ኣብ መኪንኡ ተቐቲሉ ተረኺቡ

ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ኮሎምቦስ ኣመሪካ ኣብ መኪንኡ ተቐቲሉ ተረኺቡ

Radio Erena: 12 Januray 2018

policee

ኣቤል በየነ ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ኮሎምቦስ፣ ኦሃዮ፣ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፣ ኣብ መኪንኡ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ መንእሰይ፣ ብቀዳም 6 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መኪንኡ ብጥይት ተቐቲሉ ከምዝጸንሐ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ናብቲ ቦታ ከምዝተረኽበ ዝሓበረ ፖሊስ፣ ካብ መንበሪ ገዝኡ ናብቲ ዝተቐትለሉ ከባቢ ዝመጸሉ ምኽንያት ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

ጠንቂ ሞቱ ዝተተኮሰሉ ጥይት ምዃኑ ፖሊስ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ እኳ እንተኸኣለ፣ ብዛዕባ ቀተልቱ ግና ዝኾነ ሓበሬታ ኣይረኸበን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ ትምህርቱ ዝዛዘመ ኣቤል፣ ኣብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣመሪካ ብሞያ ምህንድስና ጽገና ንምስራሕ ውዕል ፈሪሙ ከምዝነበረ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ዘ ኮሎምቦስ ዲስፓች የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0