ሕ.ኣፍሪቃ ንፕ.ትራምፕ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ

ሕ.ኣፍሪቃ ንፕ.ትራምፕ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ

Radio Erena: 14 Januray 2018

trampፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሀይቲን፣ ኤልሳልቫዶርን ብኣጸያፊ ስም ምጽዉዑ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ኣዘራራቢ ኮይኑሉ ዘሎ እዋን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺ ኣውጺኡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣጸያፊ ስም ምሃቦ ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ ኢሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተጠቕመሎም ቃላት፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘዋርድ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣመሪካ እትውንኖ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ዘውድቕ እዩ ክብል እቲ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሃቦ መግለጺ የነጽር።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንስደተኛታት ብዝምልከት ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ንምግባር ኣኼባ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ነቲ ኣጸያፊ ቃላት ተጠቒሙ።

ሓያሎ ዓበይቲ ትካላት ሜድያ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ትራምፕ ‘ዓሌታዊ’ ኢለን ኣብዝጽወዓሉ ዘለዋ እዋን፣ ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ’ውን ብንጽል ነንሃገራቶም ወኪሎም ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ዘለዎም ቅሬታ ገሊጾም ኣለዉ።

መራሕቲ ጋናን ናሚብያን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተጠቕመሎም ቃላት ዘሕፍር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ቦታ የብሎምን ክብሉ ገሊጾም።

ቦትስዋናን ሀይቲን፣ ብዛዕባ’ዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ኢሉዎ ዝበሃል ዘሎ ኣነዋሪ ቃላት ዝያዳ መብርሂ ክህቡወን፣ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከቡ ኣምባሳደራተን ስሒበን ኣለዋ።

ኣብ ፓናማ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣመሪካ ጆን ፊለይ ብወገኑ፣ ንፕረዚደንት ትራምፕ ከገልግል ፍቓደኛ ኣይኮንኩን ብምባል ስልጣኑ ብገዛእ ነብሱ ከምዝገደፈ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ካብ ሓያሎ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃገራትን ዝመጾ ዘሎ ክሲ ‘ኣይበልኩን’ ብምባል’ዩ ብሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቡሉ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0