ሱዳን ካብ ግብጺ ስሒባቶ ዝጸንሐት ኣምባሳደራ ዳግማይ ናብ ቦትኡ ክትመልሶ’ያ

ሱዳን ካብ ግብጺ ስሒባቶ ዝጸንሐት ኣምባሳደራ ዳግማይ ናብ ቦትኡ ክትመልሶ’ያ

Radio Erena: 04 March 2018   

sudanese amb ሱዳን ካብ ግብጺ ስሒባቶ ዝጸንሐት ኣምባሳደራ ዳግማይ ናብ ቦትኡ ክትመልሶ ሙዃና ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ሰኑይ ዕለት 5 መጋቢት ጀሚሩ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ግብጺ ንቡር ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።

ሱዳን ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝሰሓበቶ ኣምባሳደራ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትሉን። እንተኾነ ብጉዳይ ዋንነት ሓላይብን ካልእ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብ ከባቢታትን፣ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ምፍጣሩ ዝዝከር’ዩ።

ከምኡ’ውን ቱርኪ ኣብ ሱዳን መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዝርርብ ምክያዱ ንግብጺ ጸጥታዊ ስግኣት ስለዝፈጠረላ ካልእ ተወሳኺ ወጥሪ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝፈጠረ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሱዳን ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢድ ኣእትያ ብምባል ንግብጺ ድሕሪ ምኽሳሳ፣ ካብታ ሃገር ተእትዎ ዝነበረት ሕርሻዊ ምህርቲ ደው ኣቢላቶ’ያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ዝምድና ግብጽን ሱዳንን ናብ ንቡር ንምምላስን ቅኑዕ መንገዲ ምትሓዙን ብሓላፍነት ንሰርሓሉ ካብ ዘለና ጉዳያት’ዩ ክብል ገሊጹ።

ሚኒስተራትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጸጥታን ሱዳንን ግብጽን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ካይሮ ተራኺቦም ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0