ፓርላማ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 04 March 2018

ethi_parliፓርላማ ኢትዮጵያ ነቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝተኣወጀ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑዎ።

እቲ ፓርላማ ብዓርቢ 2 መጋቢት ኣብ ዝተጋባኣሉ፣ ካብ 539 ንጡፋት ኣባላቱ፣ 395 ደገፎም ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክድግፉ እንከለዉ 88 ተቓዊሞም፣ ሸውዓተ ካልኦት ከኣ ድምጾም ከምዝዓቀቡ ሺን ሁዋ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ልፍንቲ ፓርቲ ዝተዓብለለ ክኸውን እንከሎ፣ ነቲ እማመ ንምጽዳቕ ክልተ ሲሶ ድምጺ ጥራይ እዩ ዘድልዮ።

እቲ ካብ ዝተኣወጀሉ ዕለት ኣትሒዙ ግብራዊ ዝኾነ ኣብ 16 ለካቲት ብቆንስል ሚኒስተራት ዝቐረበ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፣ ንሓይልታት ጸጥታ ምሉእ ስልጣን ዝህብ ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፣ ናጽነት ኣካላት መንግስትን ውልቀሰባትን ዝገፍፍ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባትን ተጣበቕቲ መሰላትን’ታ ሃገር ዘለዎም ተቓውሞ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ’ታ ሃገር ግና ንብረት ህዝብን መንግስትን ንምሕላውን ጸጥታን ሰላምን ህዝቢ ንምኽባርን ኢሉ ከምዝኣወጆ ይገልጽ። እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሰዓታት እቶ እቶ’ውን ዘጠቓልል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ምውራዱ ስዒቡ ዝተኣወጀ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፣ ካብ መፋርቕ 2016 ኣትሒዙ ንካልኣይ እዋኑ ይእወጅ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ረክስ ቲለርሰን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ምዃኑ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ ሺን ሁዋ ከምዝሓበሮ፣ ዑደት ተለርሰን ኣብ ጸጥታን ሰላምን፣ ደሞክራስን ምዕባለን ዘተኮረ ርክብ ንምክያድ ናብታ ሃገር ይኣቱ ከምዘሎ የመልክት።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብወገኑ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ተለርሰን ካብ 6 ክሳብ 13 መጋቢት ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ናብ ጫድ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ናይጀሪያን ዑደት ከካይድ መዲቡ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ርክብ ከካዪድ ምዃኑ ሺን ሁዋ የመልክት።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0