ኢትዮጵያ፣ ን19% ብርኪ ኣገልግሎታት ወደብ በርበራ ገዚኣቶ

ኢትዮጵያ፣ ን19% ብርኪ ኣገልግሎታት ወደብ በርበራ ገዚኣቶ

Radio Erena: 02 March 2018

dorale

ኢትዮጵያ ን19% ብርኪ ኣገልግሎታት ወደብ በርበራ፣ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከምዝገዝኣቶ ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ነቲ፣ ኣብ ትሕቲ DP World ዝተባህለ ናይ ዱባይ ኣገልግሎታት ወደብን መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝውነን ፕሮጀክት ወደብ በርበራ ከምዝዓደገቶ ዝተሓበረ፣ ኣብ መንጎ ሰለስቲኦም ኣካላት ክካየድ ድሕሪ ዝጸንሐ ምዝርራብ’ዩ።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዋና ኣካያዲ ስራሕ DP World ናይ ዱባይ፣ ሱልጣን ኣሕመድ ቢን ሱሌማን፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ወደብ በርበራ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ዝሰፍሓሉን ንሓያሎ ሃገራት ኣገልግሎታት ዝህበሉን ተኽእሎታት ከምዝተመያየጡ ይዝከር።

 

DP World ናይ ዱባይ 51 ሚእታዊት ብርኪ ናይቲ ወደብ ክውንን እንከሎ፣ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድማ 30 ሚእታዊት ዋንነት ኣለዎ።

ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣተኩሩ ዝርከብ DP World ናይ ዱባይ፣ ንወደብ በርበራ ናይ ምስፋሕን ኣገልግሎታቱ ናይ ምዕባይን ፕሮጀክት ጀሚሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ልዕሊ 95 ሚእታዊት ናይ ወደብ ኣገልግሎታታ ኣብ ጅቡቲ ተደሪቱ ዝርከብ ኢትዮጵያ፣ ንወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ኣማራጺ ክትጥቀመሉ መደበ ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ነቲ ብDP World ናይ ዱባይ ክመሓደር ዝጸንሐ ናይ ተርሚናል ወደብ ዶራለ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዎ ድሕሪ ምግላጹ፣ ንኢትዮጵያ ተወሳኺ ምጭንናቕ ክፈጥረላ ከምዝኽእል ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0