ሱዳን፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብዘለዋ ዝድምና ዕጉብ ምዃኑ ፕረዚደንት ኣልበሽር ገሊጹ

ሱዳን፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብዘለዋ ዝድምና ዕጉብ ምዃኑ ፕረዚደንት ኣልበሽር ገሊጹ

Radio Erena: 19 March 2015

Albashir

ሱዳን፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን ኩለን ጎረባብታ ብዘለዋ ዝምድና ዕጉብ ምዃኑ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብ17 መጋቢት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ፖርት ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ናይ ምርጫ ጎስጓስን ዘተ ምስ ህዝብን’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ንህዝቢ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምስታ ብምብራቓዊ ሸነኽን ዞባ ቀይሕ ባሕርን እትዳወብ ኤርትራ ዘሎ ዝምድና ኣዝዩ ዝበለጸ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ናይ ምስፋሕ መደብ ክሳብ ዶብ ኤርትራ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

ሱዳን ብመንገዲ ከሰላ ተሰነይ ዝዝርጋሕ መስመር ንኤርትራ ኣገልግሎት ኤሌክትሪ ክትሸጠላ ምስምማዓ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምብራቕ ሱዳንን መንግስትን ከኣ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ናይ ቤጃን ራሻይዳን ተቓወምቲ፣ እቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ ብግቡእ ይትግበር ከምዘየሎ’ዮም ዝወቕሱ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዘካየዶ ዘተ ምስ ህዝቢ ብተወሳኺ፣ እቲ ምስ ግብጺ ዘለዎም ዶባዊ ምስሕሓብ ብዘተን ምርድዳእን ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሕዎ ምዃኖም’ውን ጠቒሱ።

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ቻድን፣ ብወደብ ፖርት ሱዳን ንግዳዊ ልውውጥ ንምክያድ ዘኽእል ስምምዕ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፣ ፖርት ሱዳን ማእከል ዕዳጋን ናጻ ዞባን ናይተን ወደብ ዘይብለን ጎረባብቲ ሃገራት ንምግባር ብዝልዓለ ክጽዕር ምዃኑ ገሊጹ።

ምስታ ብቀይሕ ባሕሪ እትዋሰን ስዑዲ ዓረብ’ውን ጽቡቕ ዝምድና ከምዘሎ ዘመልከተ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ እቲ ብሰንኪ ኢራን ዝነበረ ምስሕሓብ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዘየለን ኣፍሊጡ።

ፕርዚደንት ኣልበሽር ኣብቲ ናይ ፖርት ሱዳን ዘትኡ ብዛዕባ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0