መራሒ ናይጀርያ ነበር ጀነራል ሳኒ ኣባቻ፣ ካብታ ሃገር እናሰረቀ ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ባንክ ዘዋህለሎ ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ክምለስ’ዩ

መራሒ ናይጀርያ ነበር ጀነራል ሳኒ ኣባቻ፣ ካብታ ሃገር እናሰረቀ ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ባንክ ዘዋህለሎ ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ክምለስ’ዩ

Radio Erena : 20 March 2015

Sani abac

መራሒ ናይጀርያ ነበረ ጀነራል ሳኒ ኣባቻ፣ ካብ ኣታዊታት እታ ሃገር እናሰረቐ ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ባንክ ከዚንዎ ዝጸንሐ 380 ሚልዮን ዶላር ናብታ ሃገር ክምለስ’ዩ።

እቲ ካብ 1993 ክሳብ 1998 ኣብ ስለጣን ዝነበረ ዕሉል ውልቀ መላኺ ናይጀርያ ጄነራል ሳኒ ኣባቻ፣ ኣብ ናይ 5 ዓመት ዘመነ ስልጣኑ እታ ሃገር ብኵናትን ማሕብራዊ ሓሰምን እናተሐመሰት፣ ንሱ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቁ ሕሳብ ቢልዮናት ዶላራት ከምዝኸዘነ’ዩ ተኸሲሱ።

ድሕሪ ሞቱ፣ መንግስቲ ናይጀርያ ብኡ ንብኡ ኣብ ዝመስረቶ ክሲ ድማ፣ እቲ ውልቀ መላኺ ካብ ሽያጥ ነዳዲ እታ ሃገር ብስሙን ስም ስድራቤቱን ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ባንክ ዘዋህለሎ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ስለዝኾነ ክምለስ ክሓትት’ዩ ጸኒሑ።

 

ወዱ ነቲ ውልቀ መላኺ ኣባ ኣባቻ፣ እቲ ብስም ስድራቤት ተቀሚጡ ዝጸንሐ ገንዘብ ናብ ናይ ውልቁ ሕሳብ ከሰጋግሮ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋዊ ክርክር ድማ በዚ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ውሳኔ ተዓጽዩ ኣሎ።

ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ሳኒ ኣባቻ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድሕሪ ምቕታሉ፣ በዓልቲ ቤቱ’ውን ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ኣብ ባልጃታት ሓብታ ሃገር ክትሃድም ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ከምዝተታሕዘት ይዝከር።

ብነዳዲ ሓንቲ ካብ ጽጉዋት ሃገራት ዓለም ዝኾነት ናይጀርያ፣ ብሰንኪ እቶም ብብልሽውና ስርቕን ዝተቖማጥዑ ከም ሳኒ ኣባቻ ዝኣመሰለኡ መራሕታን ሰዓብቶምን፣ ማሕበረ ቁጠባዊ ድሕነት ህዝባ ከተውሕስ ኣይከኣለትን።
===================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0